ብሓባር ብሰላም ኣብ ስዊዘርላንድ
እንኳዕ ደሓን መጻእኩም!
ፈደራላዊ ቅዋም ስዊዘርላንድ ኣብ ስዊዘርላንድ ብሓባር ንምንባር ኣገደስቲ ሕግታት ዝሓዘ እዩ። ቅዋም ልዕሊ ኩሉ ሕግታት እዩ። ካልእ ሕጊ ንሕገ መንግስቲ ክጥሕስ ኣይክእልን እዩ።
ኩሎም ኣብ ስዊዘርላንድ ዘለዉ ሰባት ብናይ ስዊዘርላንድ ፈደራላዊ ቅዋምን ሕግን ዝተዋህቦም መሰላትን ግቡኣትን ኣለዎም። እዚኦም ናይ ሓደ ሰብ እምነት ብዘየገድስ ይምልከቱ (ንኣብነት ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ ወይ ማሕበራዊ)።
እቶም ኣገደስቲ መሰላት ኣብ ሕገ መንግስቲ ፌደራል ተጻሒፎም ኣለዉ።
እዚ ዝስዕብ ይምልከት
- ኩሎም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዮም። ኣድልዎን ዓሌትነትን ክልኩል እዩ።
- ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ መሰል ስለዘለዎም ብዛዕባ ህይወቶም ባዕሎም ክውስኑ ይኽእሉ።
- ኩሉ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ዘይጸረፍ፡ ዘየፈራርሕ ወይ ዓመጽ ክሳብ ዘየለዓዓሎ ርእይቶኡ ክገልጽ ናጻ እዩ። ኩሎም ሰባት ሃይማኖቶምን እምነቶምን ብሰላም ክኽተሉ ነጻ እዮም።
- ኩሎም ሰባት ሃይማኖቶምን እምነቶም ብሰላማዊ መንገዲ ንምትግባርን ነጻ እዮም።
ኣብ ስድራቤት ዝፍጸም ዓመጽ
ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ወይ ሽርክነት ዝፍጸም ዓመጽ ኮይኑ ኣብ ስዊዘርላንድ ድማ ይቕጻዕ። እዚኦም ንኣብነት ውርደት፣ ስርቂ ገንዘብ፣ ጸርፊ ከምኡ’ውን ከቢድ ኣካላዊ ዓመጽ፣ ጾታዊ መጥቃዕትን ምግዳድን ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእስኻ ደቂ፣ ወለዲ ወይ መጻምድቲ ይርከብዎም። ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ምቑራጽ ስጋዊ ርክብ፡ ግዱድ መርዓን ን“ክብሪ” ብዝብል ምኽንያት ዝፍጸም ዓመጽን’ውን ክልኩል እዩ።
ብዘቤታዊ ዓመጽ ዝተጠቕዑ ሰባት ወይ ብዛዕባኡ ዝፈልጡ ሰባት (ንኣብነት ህጻናት፡ ጎረባብቲ ወይ ኣዕሩኽ) ንፖሊስ ክሕብሩ ይኽእሉ። ፖሊስ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ዓመጽ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ስጉምቲ ክወስድ ብሕጊ ግዴታ ኣለዎ።
እዚ ዝስዕብ ይምልከት
- ሓገዝ ውሰድ። ምስ ማእከል ምኽርን/ወይ ንፖሊስን ተዘራረብ።
- ኣብ ህጹጽ ኩነታት ኣበይ ሓገዝ ክትረክብ ከም እትኽእል ኣቐዲምካ ፍለጥ፡ ንኣብነት ኣብ ከባቢኻ።
- ኣገደስቲ ቁጽርታት ፖሊስ (ቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት 117)ን እትኣምኑ ሰባትን ጽሒፍካ ኣብ ቀረባ ምሓዝ።
- ብዛዕባኹምን ብዛዕባ ደቅኹምን ዝምልከት ኣገዳሲ ሰነዳት ኣብ እትኣምኖ ሰብ ኣቐምጡ።
ንናይ ደገ ሰባት
- ህጹጽ ኩነታት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን፥ ንነብስኻ ኣብ ሓደጋ ኣይትእቶ። ብቕልጡፍ ብህጹጽ ቁጽሪ 117 ንፖሊስ ምሕባር።
- ዘቤታዊ ዓመጽ እንተተጠርጢሩ፥ ነቲ ዝምልከቶ ሰብ ብዛዕባ ጥርጣረኻ ተዘራረብ። ነቲ ዝተጎድአ ሰብ ናብ ማእከል ምኽሪ ወይ ናብ ፖሊስ ከተሰንዮ ምቕራብ።
ፖሊስ እንተተጸዊዖም፡ ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ፡ ነቲ ዓመጽ ዝፈጸመ ሰብ ክሰዱን ንሓያሎ መዓልታት ናብቲ ኣፓርታማ ከይምለስ ክኽልክሉን ይኽእሉ።
መፅለሊ
ንመጻምድትን ደቅን ዓቢ ሓደጋ እንተሃልዩ ኣብ መዕቆቢ ቦታ ክቕመጡ ይኽእሉ። እቲ ቦታ ምስጢራዊ ስለዝኾነ ንኽትጸንሕ ዝኾነ ወጻኢታት የብሉን። ደቂ ተባዕትዮ እውን ናብ ውሑስ ቦታ ክውሰዱ ይኽእሉ እዮም።
መሰል መንበሪ
ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ዝገብሩ ሰባት ዓመጽ ዘጋጥሞምን ካብ መጻምድቶም ዝተፈልዩን ነጻ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ ይኽእሉ። ነዚ ንምግባር ድማ ናይ ዓመጽ ተመኩሮኦም መርትዖ ከቕርቡን ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት፡ ጸብጻብ ፖሊስ ወይ ጸብጻብ ካብ ማእከላት ምኽሪ ግዳያት ከቕርቡን ኣለዎም።

Help and advice
Emergency assistance (free numbers 24 hours a day)
Die Dargebotene Hand – anonymous help for adults | Tel. 143
Pro Juventute – anonymous help for children and teenagers | Tel. 147
General and legal advice
Swiss refugee council | Tel. 031 370 75 75
Frabina – counselling for binational couples and families | Tel. 031 381 27 01
Advice in cases of domestic and sexual violence
Forced Marriage Service | Tel. 0800 800 007 (in German, French and Italian)
Professional association of counselling against violence – Help for perpetrators of violence (in German and French)
National competence centre for violence-free ageing | Tel. 0848 00 13 13 (in German, French and Italian)
Radicalisation and extremism
Contact points Radicalisation and extremism
Racism / Discrimination
LGBTIQ-Helpline | Tel. 0800 133 133
Counselling network for victims of racism (in German, French and Italian)
Reporting plateform for Online Racist Hate Speech
Foundation against racism and anti-Semitism (in German and French)