Zusammen sicher in der Schweiz

ብሓባር ብሰላም ኣብ ስዊዘርላንድ

እንኳዕ ደሓን መጻእኩም!

ፈደራላዊ ቅዋም ስዊዘርላንድ ኣብ ስዊዘርላንድ ብሓባር ንምንባር ኣገደስቲ ሕግታት ዝሓዘ እዩ። ቅዋም ልዕሊ ኩሉ ሕግታት እዩ። ካልእ ሕጊ ንሕገ መንግስቲ ክጥሕስ ኣይክእልን እዩ።

ኩሎም ኣብ ስዊዘርላንድ ዘለዉ ሰባት ብናይ ስዊዘርላንድ ፈደራላዊ ቅዋምን ሕግን ዝተዋህቦም መሰላትን ግቡኣትን ኣለዎም። እዚኦም ናይ ሓደ ሰብ እምነት ብዘየገድስ ይምልከቱ (ንኣብነት ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ ወይ ማሕበራዊ)።

እቶም ኣገደስቲ መሰላት ኣብ ሕገ መንግስቲ ፌደራል ተጻሒፎም ኣለዉ።

እዚ ዝስዕብ ይምልከት

  • ኩሎም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዮም። ኣድልዎን ዓሌትነትን ክልኩል እዩ።
  • ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ መሰል ስለዘለዎም ብዛዕባ ህይወቶም ባዕሎም ክውስኑ ይኽእሉ።
  • ኩሉ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ዘይጸረፍ፡ ዘየፈራርሕ ወይ ዓመጽ ክሳብ ዘየለዓዓሎ ርእይቶኡ ክገልጽ ናጻ እዩ። ኩሎም ሰባት ሃይማኖቶምን እምነቶምን ብሰላም ክኽተሉ ነጻ እዮም።
  • ኩሎም ሰባት ሃይማኖቶምን እምነቶም ብሰላማዊ መንገዲ ንምትግባርን ነጻ እዮም።

ግዱድ መርዓን ብግዴታ መርዓን

ኣብ ስዊዘርላንድ ኩሉ ሰብ ክምርዖ ዝደሊ ድዩ ኣይደልን ንመን ክምርዖ ክውስን ናጻ እዩ። ተመሳሳሊ ጾታ ምሕዝነት ይፍቀድ። ምግዳድን ጸቕጢ ምግባርን ክልኩል እዩ። ብሰንኪ ጸቕጥን ምግዳድን ዝመጽእ ሓዳር ከም ዘይሕጋዊ ይእወጅ። ሰባት ኣብ ሓዳር/ሽርክነት ክጸንሑ ይደልዩ ወይ ክፈላለዩ እውን ናጻ ምርጫ ኣለዎም።

ንስኻ ወይ ኣብ ዓንኬል ኣዕሩኽትኻ ዘሎ ሰብ ብግዱድ ሓዳር እንተተተንኪፉ፡ ንሓደ እትኣምኖ ሰብ ኣፍልጦን ምስ ማእከል ምኽሪ ርኸብን።

Help and advice

Diese Seite verwendet Cookies. Erfahren Sie in unserer Datenschutzerklärung mehr darüber, wie wir Cookies einsetzen und wie Sie Ihre Einstellungen ändern können: Datenschutzerklärung