Zusammen sicher in der Schweiz

ብሓባር ብሰላም ኣብ ስዊዘርላንድ

እንኳዕ ደሓን መጻእኩም!

ፈደራላዊ ቅዋም ስዊዘርላንድ ኣብ ስዊዘርላንድ ብሓባር ንምንባር ኣገደስቲ ሕግታት ዝሓዘ እዩ። ቅዋም ልዕሊ ኩሉ ሕግታት እዩ። ካልእ ሕጊ ንሕገ መንግስቲ ክጥሕስ ኣይክእልን እዩ።

ኩሎም ኣብ ስዊዘርላንድ ዘለዉ ሰባት ብናይ ስዊዘርላንድ ፈደራላዊ ቅዋምን ሕግን ዝተዋህቦም መሰላትን ግቡኣትን ኣለዎም። እዚኦም ናይ ሓደ ሰብ እምነት ብዘየገድስ ይምልከቱ (ንኣብነት ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ ወይ ማሕበራዊ)።

እቶም ኣገደስቲ መሰላት ኣብ ሕገ መንግስቲ ፌደራል ተጻሒፎም ኣለዉ።

እዚ ዝስዕብ ይምልከት

  • ኩሎም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዮም። ኣድልዎን ዓሌትነትን ክልኩል እዩ።
  • ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ መሰል ስለዘለዎም ብዛዕባ ህይወቶም ባዕሎም ክውስኑ ይኽእሉ።
  • ኩሉ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ዘይጸረፍ፡ ዘየፈራርሕ ወይ ዓመጽ ክሳብ ዘየለዓዓሎ ርእይቶኡ ክገልጽ ናጻ እዩ። ኩሎም ሰባት ሃይማኖቶምን እምነቶምን ብሰላም ክኽተሉ ነጻ እዮም።
  • ኩሎም ሰባት ሃይማኖቶምን እምነቶም ብሰላማዊ መንገዲ ንምትግባርን ነጻ እዮም።

ኣኽራርነትን ጽንፈኛነትን

ኣኽራርነት ሓደ ሰብ ኣኽረርቲ ኣረኣእያን ምናልባት እውን ናብ ዓመጽ ዝምባለታት ዘማዕበለሉ መስርሕ እዩ። ኣኽራርነት ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ስነ-ሓሳባዊ ወይ ሃይማኖታዊ ምኽንያት ክህልዎ ይኽእል። ብፍላይ መንእሰያት በዚ ክጽለዉ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ኣኽራርነት ምልክታት ክኾኑ ዝኽእሉ ንኣብነት ለውጢ ስብእና፡ ለውጢ ኣነባብራ፡ ንዓለም ብዓይኒ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ምርኣይ፡ ምኽባር ኣኽራሪ ዓመጽን/ወይ ምዝርጋሕ ጸገም ዘለዎም ቪድዮታትን ይርከብዎም።

ኣብ ከባቢኻ ከምዚ ዓይነት ምልክታት እንተተዓዚብካ፡ ምስ ኣላዪ፡ ኣብ ከባቢኻ ንዝርከብ ርክብ ወይ ንፖሊስ ተወከስ። በዚ መንገዲ እዚ፡ ኣብ ድሮ ደረጃ ክመጽእ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤናት ንምክልኻል ፈተነታት ክግበር ይከኣል።

Help and advice

Diese Seite verwendet Cookies. Erfahren Sie in unserer Datenschutzerklärung mehr darüber, wie wir Cookies einsetzen und wie Sie Ihre Einstellungen ändern können: Datenschutzerklärung